ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘኤርትራ ቤተክርስቲያን ቫንኩቨር ቢሲ St George church Vancouver,BC

  • Home
  • Canada
  • Abbotsford, BC
  • ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘኤርትራ ቤተክርስቲያን ቫንኩቨር ቢሲ St George church Vancouver,BC
12/23/2025
12/19/2025

“እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ እዩ፡ እተን ዘልኣለማዊ ቅልጽሙ ድማ ክጾራኻ ኣብ ትሕቴኻ ኣለዋ” (ዘዳ 33፡27)። ብዙሓት ሰባት ናይ መዓልትን ዕለትን መምርሒ ጥቅስታት ናይ ምውጻእ ልማድ ኣለዎም። ናይ ህይወትን ዘመናትን መምርሒ ጥቅስን እዚ እዩ “እተን ዘልኣለማዊ ቅልጽሙ ድማ ክጾራኻ ኣብ ትሕቴኻ ኣለዋ”። ደቅስ ማለት እዩ። ቅልጽም ምትርኣስ ጥዑም እዩ። ከማን ናይ ትፈትዎም ሰባት ቅልጽም ተኾይኑ ጽቡቅ ጌሩ የዕርፈካ። እቲ ዝተሸከመና ቅልጽም ግና ስለ ዝርብርብ ምድቃስና ኣረጋጊጹ የእዳዉ ይእክብ። ምቾት ጠፊኡ ድማ ምብህራር ይመጽእ። ምኽንያቱ ዝተተርኣስናዬ ቅልጽም “ግዝያዊ” እዩ። ብእምነት እንትርኣሶ ናይ እግዚኣብሄር ቅልጽም ግን “ናይ ዘልኣለም ቅልጽም” እዩ። ኣብ ቅዳሴና “ፍጥረት ኩሉ ብቃልካ ፈጢርካ፡ መግዛእቲ ዘይብልካ ኩሉ ፈጢርካ። ከይደኸምካ ንኹሉ ትሽከም፡ ከየጉደልካ ንኹሉ ትምግብ፡ ስቅ ከይበልካ ንኹሉ ትሓስብ። ከየጉደልካ ንኹሉ ትህብ፡ ዘይነጽፈካ ንኹሉ ተርዊ፡ ከይ ዘንጋዕካ ንኹሉ ትሓስብ፡ ከይደቀስካ ንኹሉ ትሕሉ፡ ሸለል ከይበልካ ንኹሉ ትሰምዕ፡ ከይተቀበልካ ንኹሉ ትገድፍ …… ዘይሓዙኻ ፈጣሪ፡ ዘይሸሙኻ ንጉስ፡ ዘይነቅፉኻ ጐይታ፡ ዘየለቅሑኻ ኣምላኽ፡ ዘይህቡኻ በዓል ጸጋ፡ ካብ ዘይውድኦ ገንዘቡ ዝህብ” እንዳበልና ነመስግኖ ኣለና።

ንመብዛሕትና ሰላም ዝስመዓና ሰላም ተሎ ጥራሕ እዩ። መሰረት ናይ ናብራ ኣቃውማ ዓበይቲ ናይ ውግእ መራኽብ ናብ ማእከላይ ምብራቅ ምጽጋዕ፡ ናይ ነዳዲ ዋጋ ምንሃር፡ ናይ ናብራ ክብሪን የናውጸና። ከምኡ ድማ ዝኣመንሉ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ተሎ ጥራሕ ዝነብሩ ዝመስሎም፡ ናይ ደቆም ትንፋስ ኣብ ኢዶም ቆጺሮማ ዘለዉ ዝመስሎም፡ ንነብሰይ ዘለኽዋ ኣነ ጥራሕ እየ እንዳ በሉ ብሓሳብ ዝጭነቁ ብዙሓት እዮም። ቃሉ ግና “እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪካ እዩ እተን ዘልኣለማዊ ቅልጽሙ ድማ ክጾራኻ ኣብ ትሕቴካ ኣለዋ” ይብለና። ስለዚ ዕረፍ እፎይ በል ማለት እዩ። እሞ እንታይ ድኣ ወሸለ ዕረፍ ዝብል ተረኺቡ ድዩ ፧

ብነቢይ ዳዊት፦ “ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉ ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ልዕል ክብል እየ ፡ ኣብ ምድሪ ልዕል ክብል እየ” (መዝ 46፡10) በለ። እግዚኣብሄር ዝሰርሕ ንሕና ምስ ንዓርፍ እዩ። ድቃስ ብዝሰኣናሎም ነገራትን ኣቃራጭ መንገዲ ብንደሌሎም ነገራትን ንሱ ኣይሰርሕን እዩ። ምሉእ ብምሉእ ገመዱ ፈኒና ንዕኡ ምስ ንሓድገሉ እግዚኣብሄር ብግርምኡ ይሰርሕ። ናይ እግዚኣብሄር ስራሕ ንምርኣይ ኣቀዲምካ ምዕራፍ የድሊ።

ንሕና ኸ ናይ ገዛእ ርእሰይ ዝበልናዮ ህልውንኡ ኣፍሪሑና’ዶ ይኸውን ፧ ይመርሑና ዝበልናዬም ኣብ ውሽጢ ናይ ሞት ሓደጋ ዶ ኣትዮም ይኾኑ ፧ እንበልዖ ደሞዝን ረድኤትን ጠጠው ክብል ናይ ኣዋርሕ ዕድመ ዶ ተሪፍዎ ይኸውን ፧ ቀደም እንፈልጦም ሰባት ዓይንና ክሳብ ዝፈዝዝ ደሊና ስኢናዮም’ዶ ንኸውን ፧ ኣብ ምድርና ዝዘምበየ ጭንቀት ድቃስ ከሊኡና’ዶ ይኸውን ፧ ናይዚ ኩሉ ሕቶና መልሲ “እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ እዩ እተን ዘልኣለማዊ ቅልጽሙ ድማ ክጾራካ ኣብ ትሕቴካ ኣለዋ” ኣብ ውሽጢ ዝብል ህያው ቃል ተጠቃሊሉ ኣሎ። እዚ ቃል ኣብ ልዕሊ መንደቅና ዘይኾነ ኣብ ልዕሊ ልብና ኽንጽሕፎ ኣለና። ነቲ ቃል ምጽናዕ ዘይኮነ ከም ቃሉ ንዝኾነ ኣምላኽ ክንርኢ ኣለና።

እቲ ሓቀኛን ኣገዳሲን ሕቶ “ከመይ ጌረ ክነብር እየ ፧” ዝብል ዘይኮነ “ንምንታይ እነብር ኣለኹ ፧” ዝብል እዩ። ንምንታይ ከም ንነብር እንድሕር ፈሊጥና ከመይ ከም እንነብር ክንፈልጥ ኢና። ንምንታይ ከም እንነብር እንድሕር ፈሊጥና ከመይ ከም እንነብር ኣየታሓሳስበናን እዩ። ኣነባብራና ንናብራና ኣይልውጦን እዩ። ዕላማና ግና ንናብራና ይልውጦ። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ታክሲ ሓደ መጠንቀቅታ ተለጢፉ ኔሩ፦ “ብዘይ ምኽንያት ምንባር ኽልኹል እዩ”

መንፈሳዊ መጽሓፍቲ ምስ ትደልዩ
+20 155 281 2444

Address

29450 Huntingdon Road
Abbotsford, BC
V4X1S7

Opening Hours

4:30am - 12am

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘኤርትራ ቤተክርስቲያን ቫንኩቨር ቢሲ St George church Vancouver,BC posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category