10/04/2021
ብስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን (፫) 🍃🍃🍃🍃🍃🍃🍃🍃🍃🍃🍃🍃🍃🍃
ናይ ቁጽሪ ሾብዓተ ምስጢራት ብቤተ ክርስትያን
❇7 ሊቃነ መላእክት ዝበሃሉ
1.ቅዱስ ሚካኤል
2.ቅዱስ ገብርኤል
3. ቅዱስ ሩፋኤል
4. ቅዱስ ራጉኤል
5. ቅዱስ ፋኑኤል
6. ቅዱስ ሳቁኤል
7.ቅዱስ ኣፍኒን
🍃
❇7 ዲያቆናት ዝበሃሉ
1.ቅዱስ እስጢፋኖስ
2.ቅዱስ ፊልጶስ
3.ቅዱስ ጵሮክሮስ
4.ቅዱስ ጢሞና
5.ቅዱስ ኒቃሮና
6.ቅዱስ ጳርሜና
7.ቅዱስ ኒቆላዎስ
🍃
❇7 ኣብያተ ክርስትያናት ዝበሃሉ
1.ናይ ኤፌሶን ቤተ ክርስትያን
2.ናይ ስርምኔስ ቤተ ክርስትያን
3.ናይ ጴርጋሞስን ቤተ ክርስትያን
4.ናይ ስርዴስ ቤተ ክርስትያን
5.ናይ ትያጥሮስ ቤተ ክርስትያን
6.ናይ ፊልድልፍልያ ቤተ ክርስትያን
7.ናይ ሎዶቅያ ቤተ ክርስትያን
🍃
❇7 ኪዳናት ዝበሃሉ
""""""""""""
1. ኪዳነ አዳም
2. ኪዳነ ኖህ
3. ኪዳነ መልከ ፀድቅ
4. ኪዳነ ኣብርሃም
5. ኪዳነ ሙሴ
6. ኪዳነ ዳዊት
7. ኪዳነ ምህረት እዮም
🍃
❇7 ኣጽማዋት ዝበሃሉ
"""""""""""""
1. ዓቢ ፆም (ጾም ኣርብዓ)
2. ናይ ሃዋርያት ፆም
3. ጾመ ፍልሰታ
4. ፆመ ነብያት
5. ፆመ ገሀድ
6. ፆመ ነነዌ
7. ፆመ ድሕነት እዮም
🍃
❇7 ናይ ጸሎት ጊዜያት
""""""""""""""
1. ናይ ንጉሆ ዝጽለ ጸሎት ወጋሕታ ስዓት 6
2. ናይ ስዓት 9 ንጉሆ ጸሎት
3. ፍርቂ መዓልቲ ወይ 12 ስዓት ፋዱስ ዝጽለ ጸሎት
4. ናይ ድሕሪ ቀትሪ ስዓት 03 ዝጽለ ጸሎት
5. ኣጋ ምሸት ስዓት 05 ዝጽለ ጸሎት
6. ናይ ምሸት ስዓት 09 ዝጽለ ጸሎት
7. መንፈቕ ለይቲ 12 ዝጽለ ጸሎት
🍃
❇7ተ ሚስጥራተ ቤተክርስቲያን ዝበሃሉ
""""""""""""""""""""""""
1. ሚስጥረ ጥምቀት
2. ሚስጥረ ሜሮን
3. ሚስጥረ ቁርባን
4. ሚስጥረ ክህነት
5. ሚስጥረ ተኽሊል
6. ሚስጥረ ንሰሓ
7. ሚስጥረ ቀንዲል እዮም
🔵7ተ ሰማያት ዝባሃሉ
"""""""""""""
1. ጽርሃ ኣርያም /ካብ ሰማያት ሰማያት
2. መንበረ መንግስቲ /መንበረ ብረሃን መንበረ ፀባኦት መንበረ ስበሃት
3. ሰማይ ውድድ /መንበረ መንግስት ዝተዘርገሓሉ
4. እየሩሳሌም ሰማያዊት መንግስተ ሰማያት
5. እዮር
6. ራማ
7. ኤረር /ናይ መላእኽቲ ከተማ እዮም
🔴7ተ ኣቦታት ዝባሃሉ
"""""""""""""
1. ናይ ሰማይን ናይ ምድርን ልዑል እግዚአብሔር
2. ናይ ንሰሓ ኣቦ/አባት ነፍሲ
3. ወላዲ ኣቦ
4. ናይ ክርስትና ኣቦ
5. ናይ ጡብ ኣቦ ማለት /ዘይወለደካ ግን ከም ኣቦ ኮይኑ ዘዕቢ
6. ናይ ስልጣን ኣቦ/ ናይ ሃገር መራሒ
7. ናይ ቀለም ኣቦ ብ መንፈሳዊ/ ወይ ብ ዓለማዊ ዝምህሩ እዮም።
🕆7ተ ኣነ እየ ዝበሎም ጎይታ
"""""""""""""""""
1. ናይ ሂወት እንጀራ ኣነ እየ _____ ዮሐንስ 6÷35
2. ናይ ዓለም ብርሃን ኣነ እየ___ ዮሐንስ 8÷12
3. ኣፍ ደገ ( በሪ) ኣነ እየ ___ ዩሓንስ 10-9
4. ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ _____ ዮሐንስ 10÷11
5. ትንሳኤን ሂወትን ኣነ እየ___ ዮሐንስ 11÷25
6. መንገድን ሓቅን ሂወትን ኣነ እየ___ ዮሐንስ 14÷
7. ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ ኣነ እየ___ ዮሐንስ 15÷1
🕆7ተ ቃላት ጎይታና ኣብ መስቀል ዝተዛረቦም
"""""""""""""""""""""""""""
1. ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓዲግካኒ___ ማቴ 27÷46
2. ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም ሞ ይቕረ በለሎም___ ሉቃ 23÷34
3. ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ኣሎኻ___ሉቃ 23÷43
4. ንድንግል ማርያም እንሆ ወድኺ በላ፡ ንዮሃንስ ድማ እነሀት ኣዴኻ በሎ ። ዮሓ፡ 19÷26--27
5. ጸማእኩ___ ዮሐንስ 19÷30
6. ኦ ኣቦ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቁባ ኣለኹ በለ።____ ሉቃ 23÷46
7. ተፈፀመ ___ዮንሐስ 19÷30
🕆7ተ ናይ ክርስቶስ መንነት ዝምስክሩ
"""""""""""""""""""""""
1. ናይ ባህሪ ኣቦ ምስክርነት____ ዮሐ 5=34÷37 8÷18
2. ባዕሉ ወልድ ናይ ክርስቶስ ምስክርነት___ ዮሐ 8 ~18~58
3. ናይ መንፈስ ቅዱስ ምስክርምነት____ ዮሐ 15፦ 26 ÷16 ÷12
4. ን ሃዋርያት ዝሃቦም ምስክርነት____ ዮሐ 5÷36--10-- 25
5. ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ምስክርነት____ ዮሐ 5÷39 ~46
6. ናይ መጥምቁ ዮሃንስ ምስክርነት___ ዮሐ 1 ÷7--5--33
7. ናይ ተማሃርኡ ምስክርነት____ ዮሐ 15÷27~ 19~35 እዮም
🕆7ተ ተአምራት ጎይታና ምስ ተሰቕለ ጊዜ
"""""""""""""""""""""""""
1. ፀሓይ ጸልመተት
2. ወርሒ ደም ሰሪባ
3. ከዋኽብቲ ረጊፎም
4. እምባታት ጎቦታት ተሰናጢቖም
5. መቓብራት ተኸፍቱ
6. ምውታት ተንስኡ
7. ናይ ቤተመቕደስ መጋረጃ ተተርተረ
🕆7ተ ብ እግዝኣቢሄር ዝፍንፈኑ ነገራት
""""""""""""""""""""""
1. ትዕቢተኛ ዓይኒ
2. ሓሳዊት መልሓስ
3. ናይ ንጹሃን ደም እተፍስስ ኢድ
4. ክፏእ ሓሳብ ዘፈልፍል ልቢ
5. ናብ ኩፋእ ነገር እትጎዪ እግሪ
6. ብሓሶት እትምስክር ሓሳዊት መልሓስ
7. ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ጽልኢ ዝተክል
🕆7ተ ኣብ ግዜ ሓደጋ ዝንበቡ
"""""""""""""""""
1. ክኸፍኣካ እንከሎ____ ዮሐንስ 14
2. ሓጥያት ምስ እትሰርሕ____ መዝሙር 51
3. ምስ እትጭነቕ____ መቴወስ 6 19÷34
4. ሓደጋ ምስ ዘጋጥም____መዝሙር 19
5. ሰላምን ዕረፍትን ምስ ዝርሕቐና___ ማቴ 11 ÷25--30
6. ጁባና ባዶ ምስ ዝኸውን____መዝሙር 37
7. ብሕትውና ምስ ዝስመዐና ____መዝሙር 23
ብመጽሓፍ ቅዱስና ብስርዓት ቤተ ክርስትያን ኣስተምሮ ሾብዓተ ብዝሕ ምሳሌ ከም ዘለዋ ይፍለጥ🍃
ብዕብራዊያን ድማ ሾብዓተ ፍጽምቲ ቁጽሪ እዩ።
🍃ምሳሌ 24:16 🍃
እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዓ ይወድቕ እሞ ይትንስእ ረስኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ።
🍃እግዚአብሔር ካብ ስኒ ክሳብ ስንበት ዝለዉ መዓልታት ብሽውዓተ ቁጽሪታት ገይሩ ሕዝበ እስራኤል ካብ ግብጺ ባርነት ኣዉጹኡ ብበረኻ ኣብ ዝጓዓዙሊ ካም ዝነበሩ ብሾብዓተ ደመና ከም ዝነበሩ ይፈለጥ ።
🍃ዘጸኣት 13፣21 🍃
ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኺጉዓዙ እግዚአብሔር ድማ ብመዓልቲ መገዲ ኪመርሓም ብዓንዲ ደበና ብለይቲ ኸኣ ኼብርሃሎም ብዓንዱ ሓዊ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ።
🍃🍃
ስለ ቅዱስ ቃሉ ናይ ቃል በዓል ቤት ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝክብረ ዝተመስገነ ይኩን ኣሜን።
መላካም ዕለት ስንበት 🍃
🍃
ስብሃት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን