04/15/2026
1) ስለምንታይ እዩ ዮሃንስ መጥምቕ ንሄሮድስ ተቓዊሙዎ ?
2) ነቢይ ዮሃንስ መጥምቕ ስለምንታይ ንመራሒ መንግስቲ ተቓዊሙዎ ?
3)ንሕና"ኸ ከም ዮሃንስ መጥምቕ ንመራሕቲ ሃገራትና ክንቃወሞም ንኽእል ዲና?
ኣብዚ እዋን ኣመቓቕላ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተርድኦምን ዘይበርሃሎምን ብሃሳሰ ለባም ዝከዱ ክርስትያናት ከምቲ ዮሃንስ መጥምቕ ንመራሒ መንግስቲ ዝተቓወሞ ንሕና ድማ ንመራሕቲ መንግስቲ ክንቃወሞም ንኽእል ኢና ዝብል ግጉይ ርድኢት ከጋውሑዎ ይስምዑ እዮም።
ነዚ መረዳእታ ንኽኮነና ኣቀዲምና ነዘን ኣብ ላዕሊ ጠቂሰየን ዘለኹ ነጥብታት ንመልሰን።
1) ስለምንታይ እዩ ዮሃንስ መጥምቕ ንሄሮድስ ተቓዊሙዎ ?
ብመሰረት ማቴዎስ 14፡1-12፣ ማርቆስ 6;14-29
ሄሮድያዳ ሰይቲ ንጉስ ሄሮድስ ኣግሪጳ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ምስያፍ ቀንዲ ተሓታቲት ንሳ እያ ።
ዮሃንስ መጥምቕ ደጋጊሙ ንሄሮድስ ብህይወት ንዝነብር ሰይቲ ሓዉ ሄሮድያዳ ሰይቲ ፊሊጶስ ብምምርዓዉ ይገንሖን ይቃወሞን ኔሩ፣ እቲ ዝገርም ፊሊጶስ ብህይወቱ እዩ ኔሩ ኣይሞተን።
ዮሃንስ መጥምቕ ግን ዘገድሶ ነገር እንታይ እዩ ኔሩ ?
ዮሃንስ መጥምቕ በየናይ መሰረት እዩ ተቓዊሙዎ ?
እቲ ቀዳማይ ምክንያት ሄሮድስ ካብ ኣቡኡ ጀሚሩ ኣይሁድነት ዝተቀበለን ብንብረት ኣይሁድነት ዝነብር ዝነበረ መራሒ እዩ ኔሩ፣ እዚ ማለት ሕጊ ሙሴ ይምልከቶ እዩ።
ዮሃንስ ኣምብኣር ኣይሁዳውነት ተቀብሊካ ኣይሁዳዊ ክነሰኻ ብንብረት ኣይሁድነት ክትነብር ዝግብኣካ፣ ማለት ብሕጊ ሙሴ ተቀዪድካ ክትከይድ ዝግብኣካ ሕጊ ተፍርስ ኣለኻ እዩ ዝብሎ ዘሎ።
ሕጊ ሙሴ ድማ ንብዘላ ዓለም ዝተሓገገ ዘይኮነስ ንኣይሁድን ኣይሁድነት ንዝተቀበሉን ጥራይ እዩ ዝምልከት፣ ስለዚ ሄሮድስ ሕጊ ሙሴ ስለዝምልከቶ ስለምንታይ ብሕጊ ሙሴ ዘይትቅየድ እዩ ኔሩ ሕቱኡ፣ ሕጊ ሙሴ ተፍርስ ኣለኻ እዩ ኔሩ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ሕቶ።
ስለዚ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፣
"ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓውካ እዩ።" ዘሌ 18፡16
"ሰብ ከኣ ሰበይቲ ሓዉ እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ሕፍረት ሓዉ ቐልዔ፡ ሓድጊ ዜብሎም ይኹኑ።" ዘሌ 20፡21
ዮሃንስ መጥምቕ ነቲ ሕጊ ሙሴ ዝምልከቶ ሄሮድስ ሕጊ ሙሴ ብምፍራሱ እዩ ዝቃወሞ ዘሎ። ንሓደ ሮማዊ ከም ብንብረት ኣይሁዳውነት ክትመላለስ ይግብኣካ ኢልና ክንገንሖን ክንእርሞን ኣይንኽእልን ኢና ምክንያቱ ኣይምልከቶን ስለዝኮነ ፣ ኣይሁዳዊ ዘይኮነ ወይ ድማ ኣይሁዳውነት ዘይተቀበለ ብሕጊ ሙሴ ተቐይድ ኢልና ክንቅስቦ ኣይክኣልን እዩ።
ከምዚ ንሓደ ኣስላማይ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ክትህልወካ ይግባእ ኢልና ብሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ክንቅይዶ ዘይንኽእል ፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ድማ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ተቀይዶም ንክመላለሱ ዝተዋህቦም ኣይሁዳውያን እንተዘይኮይኑ ንካልእ ዓሌታት ምድሪ ኣይነበረን።
ሄሮድስ ግን ሕጊ ብምፍራሱ ክጠዓስ ዝግብኦ እኳ ድኣ መሊሱ ክቑጣዕ ኢና ንርእዮ፣ ቀጺሉ ድማ ናብ ማእሰርቲ ኣእተዎ፣ ሄሮድስ ኣብቲ እዋን ላዕለዋይ ኣዛዚ ግዝኣት ሮማ ኣብ ልዕሊ ምኳኑ ኩሉ ስልጣን ናይ ምቅታል'ውን ኔሩዎ እዩ፣ እንተኮነ ግን እታ ዝተቀበላ ኣይሁዳውነት ስለዝነበረት እሞ ኣይሁዳውያን'ውን ከም ነቢይ ተቀቢሎሞ ስለዝነበሩ ክቀትሎ ኣይደፈረን።
ድሓር ግን ሄሮድያዳ ሰይቲ ንጉስ ምኳን ንዕኣ ዓቢ ነገር ስለዝነበረ ሰይቲ ሄሮድስ ካብ ምኳንውን ክኽልክላ ስለዝክእል ናይ ዮሃንስ መጥምቕ መግናሕቲ ንዓኣ ማለት ንሓዳራ ስግኣት እዩ ኔሩ ፣ ከምኡ ስለዝኮነት ድማ እቲ ታሪኽ ኩልና ስለንፈልጦ ንዮሃንስ መጥምቕ ኣስዪፋቶ።
"ሄሮዶስ ንዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይሰምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን።" ማር 6;19-20
ኣብዛ ጥቕሲ ከም ንርእያ ሄሮድስ ንዮሃንስ መጥምቕ ጻድቕን ቅዱስን ሰብኣይ ምኳኑ ፈሊጡስ ይኣምነሉ ኔሩ እዩ፣ ነቢይ ካብ ኣይሁዳውያን ምኳኑ ኣሚኑሉን ተቀቢሉዎን እዩ፣ ስለዚ እዩ ድማ ዝፈርሆ ዝነበረ ክቀትሎውን ይደሊ ኣይነበረን።
2) ነቢይ ዮሃንስ መጥምቕ ስለምንታይ ንመራሒ መንግስቲ ተቓዊሙዎ ?
ዮሃንስ መጥምቕ ኣይሁዳዊ እዩ ነቲ ዝቃወሞ ዘሎ መራሒ መንግስቲ ድማ ኣይሁዳዊ እዩ። መዐቀኒኦም ሓደ እዩ ዝቅይዶም ሕግን ስርዓትን ድማ ሓደ እዩ ንሱ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።
እታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረት ማሕበር ኣምላኽ ሃገር ኮይና እያ፣ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ብምልእታ ህዝቢ ኣምላኽ እያ።
እምብኣር መጽሓፍ ቅዱስ ንዝቅይዶ ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ ይግናሕን ይእረምን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣምን ሰብ ግን ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ክንገንሖን ክንእርሞን ኣይንክእልን ኢና ምክንያቱ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተቀዪዱ ኣይኮነን ዝከይድ ካልእ ዝምርሓሉን ዝነብረሉን መምርሒ ስለዘለዎ።
3)ንሕና"ኸ ከም ዮሃንስ መጥምቕ ንመራሕቲ ሃገራትና ክንቃወሞም ንኽእል ዲና?
እምብኣር ንሕና ከም ኤርትራውያን ኣመንቲ እንገንሖን እንእርሞን ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሖምን ዝኣምኑሉን ኣመንትን ህዝቢ ኣምላኽን እምበር ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቅይዶም ዘይኣመንቲ ፣ ዘይደሓኑ፣ ዘይጸደቑ ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ ክንእርሞም ኣይንኽእልን ኢና።
ንኣብነት ኣብ ሃገርና ኣስላማይ ፕረሲደንት እንተዝህልወና እሞ 3 ኣንስቲ እንተዝህልውኦ ኣንታ ዓማጺ ኣተን ክልተ ፍትሓየን እናበልካ ዳውን ዳውን ክንብል ኣይንኽእልን ኢና ፣ ምክንያቱ ኣይምልከቶን ስለዝኮነ ናቱ ሃይማኖት ኣለዎ ኣንተ ቅኑዕ ድዩ ጌጋ ዝምርሓሉ ኣምነት ኣለዎ።
ወይ ድማ ሽጋራ ዝሰቲ መራሒ እንተዝህልወካ ብተመሳሳሊ ዳውን ዳውን ክትብል ኢኻ ማለት ድዩ ?
ወይ መስተ ዝሰቲ፣ ወይ ደርፊ ዝሰምዕን ብደርፊ ዝስዕስዕን ዳውን ዳውን ዓመጽ ዓመጽ ክንብል ኢና ማለት ድዩ ?
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየለ ይገብር ኣሎ ኣነ ተነሳሕ ኣብለካ እለኹ ተመለስ ዲና ክንብሎ ?
ሎሚ ሓደ ነገር ክነግረኩም ገለ ኣመቓቕላ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጡ ሰባት ነዛ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ ንሄሮድስ ዝገንሖ ፣ ኣመልኪቶም ንሕና ድማ ንመራሕቲ ሃገርና ክንገንሖም ንኽእል ኢና ኢሎም ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኮነ መሪሕ ሒዞም ክዛረቡ ክትሰምዕ ከለኻ ኣዚኻ ትሓዝን።
መን'ዩ ምሂሩዎም ንክመሃሩ'ከ ኮፍ ምብላ ይፈልጡዋ'ዶ ወይስ ነታ ኣዝያ ንእሽተይ ፍልጠቶም ኣብዘይቦትኡ ኣእትዮም ክጠቅሷዋ ከለዉ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዝሰምዖም'ውን ኣብ ክንድኦም ይሓፍረሎም ምኳኑስ ይርድኦም'ዶ ?
ኣብ መወዳእታ ንሕና ከም ኣመንቲ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ንገንሖን ንእርሞን ንኣመንትን ኣገልገልትን እምበር ንምድራዊ መራሕትን መንግስታትን ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ክንገንሖምን ክንእርሞምን ኣይንኽእልን ኢና ።
ኣምላኽ ይባርኽኩም !!
ሓውኹም ነቢይ ቢንያም