24/02/2026
╔═══════════════╗
*ኩምራ ሓቅታት...Tigrinya*
*Rhapsody of Reality*
*….በብዕለቱ ዝንበብ መንፈሳዊ ጸሎት*
╚═══════════════╝
*👤 ፓስቶር ክሪስ ኦያኪሎሜ*
*Pastor Chris Oyakilome*
*ሰሉስ ለካቲት 24. 02. 2026*
💫 *ብዙሕ ግዜ ጸጋ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ*💫
📖 ════════
📖 *" “ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን" (2 ጴጥሮስ 3 18) ።*
*ፓስተር ክሪስ ከምዚ ይብል*
መጽሓፍ ቅዱስ ብጸጋ ክንዓብን ነቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ክንጥቀመሉን ይነግረና እዩ። ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝረኸብካዮ ጸጋ ኣይትጽናሕ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰሪሑ እዩ፡ ካብዚ ንላዕሊ ካልእ እውን ኣሎ! ኣምላኽ ናብ ሓድሽን ዝለዓለ ደረጃ ጸጋን ክትሰግር እዩ ዚደልየካ። ብዙሕ ዕጽፊ ጸጋ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ! 'ከመይ ገይረ ኸምኡ ክገብር እኽእል?' ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ቃል ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዝኸውን ይነግረና እዩ።
2 ጴጥሮስ 1 1–2 ከምዚ ይብል፦ "... ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታና የሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላም ይብዛሕ። ኣስተውዕል መጽሓፍ ቅዱስ "ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታና የሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላም ይብዛሕ" ይብል እንበር ይወሰኽ ኣይኮነን። ንኣምላኽ ብቓሉ ብዝፈለጥካዮ መጠን ጸጋኡ ኣብ ህይወትካ ብዝለዓለ ደረጃ እናበዝሐ ይኸይድ።
እቲ ኣብ ህይወትካ ጸጋኡ ዜብዝሖ ፍልጠት ኣምላኽ "ኤፒግኖሲስ" (ግሪኽ) እዩ። ምሉእን ልክዕን ፍልጠት ማለት እዩ። ምስ ዕላማ ሓድነት ዝህበካ ፍልጠት እዩ። ብዘይ እዚ ቅርበት ዘለዎ ናይ ምግላጽ ፍልጠት ወይ "ኢፒግኖሲስ" ክርስቶስ ጸጋኻ ኣብ ዘለዎ ጠጠው ክብል ወይ ካብ ንእሽቶ ጸጋ ናብ ቍሩብ ዝያዳ ጸጋ ክሰግር ይኽእል። ይኹን እምበር ንጐይታ ብዝያዳ ምእንቲ ክትፈልጦ ነቲ ቓል ከተጽንዖን ከተስተንትኖን ከለኻ እቲ ወሰኽ ብሃንደበት እዩ ዚውስኽ።
ሽዑ ኢኻ ክእለትካ ከም ዝወሰኸ ትግንዘብ። ጽልዋኻን ብልጽግናኻን ዕቤትካን እናሰፍሐ ይኸይድ። ሓደ ካብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ከነስተንትነሉ ዚነግረና ምኽንያታት እዚ እዩ፦ " እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ" (1ጢሞ 4 15) ።
እታ “appear” “ኺግለጽ” እትብል ቃል ካብ ናይ ግሪኽ "ፋኔሮስ" ዝመጸት ኰይና ናብ ወጻኢ / ርሑቕ ምዝርጋሕን ኵሉ ሰብ ብንጹር ክፈልጦን ማለት እያ። ስለዚ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ምስ ዚበዝሕ ብዘይካ እቲ ዝያዳ ናይ ምግባር ክእለትካ ወይ ዓቕምኻ፡ ብልጽግናኻ፡ጽልዋኻ፡ ከምኡውን ስፍሓት ግዝኣትካ ሰፊሕን ርሑቕ ዝኸይድን ብዘይ ምግናን ኩሉ ዝፈልጦን እዩ። ሃሌሉያ!
*ጸሎት*
ክቡር ኣቦ መገዲ ናይ ምብዛሕ / ወሰኽ ስለ ዘርኣኻኒ አመስግነካ ኣሎኹ። ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታ የሱስ ክርስቶስን እዓቢ ኣሎኹ። ጸጋይ ብናይ ምግላጽ ፍልጠት ይዓቢ። ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክእለትን ሞገስን ጽልዋን ብምዃን እዓዪ ኣለኹ። ብስም የሱስ። ኣሜን።
📖 *ተወሳኺ መጽናዕቲ*
*ያእቆብ 4 6*
6 ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።
*2 ጴጥሮስ 1 2*
2 ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታናን የሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላም ይብዛሕ።
*ቈሎሴ 1 9–10*
9 ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን።
10 ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓቤኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ አሎና።
📚 *መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቁዱስ*
*ናይ 1 ዓመት መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ*
ማሪቆስ 6:30-56;
ዘለዋዉያን 25
*ናይ 2 ዓመት መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ*
ግብሪ ሃዋርያት 21:10-17;
ዳዊት 38-39
━━━━//━━━━
*በዚ ዕለታዊ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ መጽናዕቲ እዚ ኸም እተባረኽኩም ንተኣማመን ኢና። ነዚ ብምጽላይ ንየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ህይወትካ ኽትገብሮ ንዕድመካ ኣለና፦*
_''ኦ ጐይታይ ኣምላኽ፣ ብምሉእ ልበይ ብየሱስ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ እኣምን እየ። ምእንታይ ከም ዝሞተን ኣምላኽ ካብ ሞት ከም ዘተንስኦን እኣምን እየ። ሎሚ ብህይወት ከም ዘሎ እኣምን እየ። የሱስ ክርስቶስ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣትሒዙ ጐይታ ህይወተይ ምዃኑ ብኣፈይ እእመን እየ። ብእኡን ብስሙን ዘለኣለማዊ ህይወት ኣሎኒ፣ ዳግም ተወሊደ እየ። ንነፍሰይ ስለ ዘድሓንካያ አመስግነካ! ሕጂ ወዲ ኣምላኽ እየ። ሃሌሉያ!"_
https://chat.whatsapp.com/DsqPBwESOHeIG6dsL623Ub