ዳዕዋ ብ ትግርኛ dawa B tigrigna

ዳዕዋ ብ ትግርኛ dawa B tigrigna 🕌 ዳዕዋ ብ.ትግርኛ dawa b tigrigna 🕌,

���السلام عليكم ورحمه الله وبركاته اخواني واخواتي�
Eritrean islam understanding pag
ብመጀመርታ እንኳዕ ናብዛ እስላማዊት መርበብ ሓበሬታ
ዳዕዋ ብ ትግርኛ @ብደሓን መጻእኩም።
����
ዳዕዋ ብ ትግርኛ ፡ፍልጠት ናይ እስልምና ትቐስሙላ: ዲንኩም ትመሃሩላ: ኣብ
መዓልታዊ ዒባዳኹም ክመለሰልኩም ትደልይዎ ሕቶታትኩም ብሓይሊ ረቢ መልሲ ትረኽቡላ
ክትከውን ናይ ለይትን መዓልትን ጻዕርና እዩ: እንሆ ነቲ ዲኑ ብቓንቁኡ ክፈልጥ ጽምኢ ዘለዎ
ሓው/ሓፍቲ ዓቕምና ብዘፍቅዶ ተበጊስና ኣለና: እንሻኣላህ ብናትኩም ተሳታፍነትን ኣበርክቶን
ሕልምና ክውን ክኸውን ናብ ረቢ ዱዓና ነብጽሕ።
ነዚ ጀሚርናዮ ዘለና ናይ ብ ተበግሶ ምሳና ሓቢርኩም ብሓሳብ: ብሞራል: ናይ
ሰማዕቲ ትግርኛ እስላማዊ ጽሑፋት ብምውፋይ ኮነ ብትሕዝቶን ካልእን ክትሳተፉ: ኢድ ንኢድ
ኮይንና ከምቲ ዝኣዘዙና የሕዋት ብምዃን ኣብ ትሕቲ ’’
ጽላል ሓቢርና ክንሰርሕ ረቢ ክሕግዘና እንዳለመ።

ሊንኪ ወሳብ ኣብዚ ኣልኩ፡https://wa.me/message/OYXW3MVQYHQCO1

01/09/2026
03/08/2026

ተውሒድ እንታይ ማለት እዩ?​ተውሒድ (التوحيد) ብቋንቋ ዓረብኛ "ሓደ ምግባር" ማለት እዩ። ኣብ እስልምና (ዓቂዳ) ድማ "ኣላህ (ስብሓነሁ ወተዓላ) ብጎይትነቱ፣ ብኣምልኾቱ፣ ከምኡ’ውን ...
07/06/2026

ተውሒድ እንታይ ማለት እዩ?
​ተውሒድ (التوحيد) ብቋንቋ ዓረብኛ "ሓደ ምግባር" ማለት እዩ። ኣብ እስልምና (ዓቂዳ) ድማ "ኣላህ (ስብሓነሁ ወተዓላ) ብጎይትነቱ፣ ብኣምልኾቱ፣ ከምኡ’ውን ብስማቱን ባህርያቱን በይኑ ሓደ ሙኻኑ ምእማን" ማለት እዩ።
​ተውሒድ መሰረት እስልምናን ቁልፊ ጀናን እዩ። ኩሎም ነቢያት እውን ናብዚ ንምጽዋዕ እዮም ተላኢኮም።
​ተውሒድ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ክፍልታት ይኽፈል። ንሳቶም ከኣ፡
​1. ተውሒድ ኣል-ሩቡቢያህ (توحيد الربوبية)
​እዚ ማለት ኣላህ በይኑ ፈጣሪ፣ ርዝቂ ወሃቢ፡ ህይወት ወሃብን ዘምውትን፡ ከምኡ’ውን ናይዚ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምና ሙሉእ ሓላፊ ምዃኑ ምእማን እዩ። ካልእ ፈጣሪ ወይ ተግባሪ ከምዘየለ ብልቢ ምቕባል።
​2. ተውሒድ ኣል-ኡሉሂያህ (توحيد الألوهية)
​እዚ ማለት ኣምልኾ (ዒባዳ) ንኣላህ በይኑ ጥራይ ምግባር እዩ። ዱዓእ (ጸሎት)፣ ሱጁድ፣ መጽብዓ፣ ምሕራድ ኩሉ ዓይነት መግዛእቲ ንኣላህ ጥራይ ምግባር። ካልእ ፍጡር (መላእኽቲ፣ ነቢያት፣ ወይ ጻድቃን) ክምለኽ ኣይፈቀድን።
​3. ተውሒድ ኣል-ኣስማእ ወስ-ሲፋት (توحيد الأسماء والصفات)
​እዚ ድማ ኣላህ ኣብ ቁርኣንን ረሱል (ዓለይሂ ሰላት ወሰላም) ኣብ ሓዲስን ዝገለጽዎም ናይ ኣላህ ቅዱሳት ስማትን ባህርያትን ከምዘለዎ ምእማን እዩ። ነዞም ባህርያት እዚኦም ምስ ፍጡራት ከየመሳሰልና ፣ ትርጉሞም ከይቀየርና፣ ወይ ፈጺምና ከይከሓድና ብዝግባእ
ምቕባል።

​ኣገዳሲ መልእኽቲ:
"ተውሒድ ንሕቶታትናን ንህይወትናን ብርሃን ዝህብ፣ ነፍሲ ወከፍ ሙስሊም ክፈልጦን ክትግብሮን ዘለዎ ናይ እምነት መሰረት እዩ።"

 #عيد اضحى مبارك
27/05/2026

#عيد اضحى مبارك

20/05/2026

أبو عبدالله عبدالرحمن محمددين صالح (Abu abdalla)

Address

Nili
680

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ዳዕዋ ብ ትግርኛ dawa B tigrigna posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to ዳዕዋ ብ ትግርኛ dawa B tigrigna:

Shortcuts

Share