Akilook

Akilook ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 1ይ ቆሮንቶስ 6:1ሰላም ለዘሚካኤል ዘተሰምየ አረጋዌ፣እስመ ሑረቱ በጥበብ ወፍናዊሁ...
22/05/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 1ይ ቆሮንቶስ 6:1

ሰላም ለዘሚካኤል ዘተሰምየ አረጋዌ፣
እስመ ሑረቱ በጥበብ ወፍናዊሁ ልባዌ፣
ምስሌሁ ኅቡረ ዘበአሐዱ ህላዌ፣
ሰላም ለቅዱሳን ዘተሰነዓው ስንዓዌ፣
ከመ በጸሎት ይሥዓሩ ሥርዓቶ ለአርዌ።

👉ሰላም! ብክርስቶስ ክርስቲያን ዝተሰመኹም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እንኳዕ ንወርሓዊ በዓል ፃድቕ አቦና አቡነ አረጋዊ ብሰላም አብፀሐና።

👉ኣባ ዘሚካኤል (ኣረጋዊ ፀሓይ) ኣቡኡ ካብ ናይ ሮም ነገሥታት ወገን ዝኾነ ስሙ ይስሓቕ ዝብሃል ክኸውን ከሎ ናይ ኣዲኡ ሽም እድና ይብሃል። ክልቲኦም ሓቀኛታትን እሙናትን ንእግዚአብሔር ዝፈርሑን ዘኽብሩን ነበሩ።

👉ጻድቕ አቡነ አረጋዊ ምስቶም ሾሞንተ ቕዱሳን ኮይኑ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተኸስተ ሓድሽ ‘ክልኤ ባህርይ’ ዝብል ትምህርቲ ብምቅዋሙ መከራ ስለዝጸንዖ ናብ ሀገርና ተሰዲዱ መጽአ።

👉 ተስዓቱ ቅዱሳን ብሓንሳእ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕን ሥርዓተ ምንኵስና ንምዝርጋሕን መንፈስ ቅዱስ ነናብ ዝመርሖም ተፈላለዩ።

👉በዚ ኸኣ ንአቡነ አረጋዊ ቦታኡ ንሸነኽ ምሥራቅ እትርከብ ደብረ ዳሞ ኾነት።

👉ደብረ ዳሞ ብዙርይኡ ብፀድፊ ዝተሓፀረ ንምድያቡ ዘፀግም ነዊኅ ጎቦ እዩ። አቦና አረጋዊ ፀሓይ ንኸደይቦ ናብ እግዚአብሔር ጸለየ። ብተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ከዓ ሠላሳ ሜትሮ ዝቑመቱ ገበል ከደይቦ ተኣዚዝሉ መጽአ።

👉አቡነ አረጋዊ ነቲ ገበል ‘ጭራኻ ኣውርዶ’ሞ ኣደይበኒ’ በሎ። እቲ ገበል ግና ነቲ ጭራኡ ኣብ ፍርቂ ጸድፊ ጥራይ በጺሑ፡ ብልሳን ሰብ ‘ኣንታ ፈላሲ፡ ኣብዚ እምባ እዚ ብዘይካ ዝነፍሩ ኣዕዋፍ፡ ትበልዖ እንጌራ ይኹን ትሰትዩ ማይ፡ ወይ ድማ ተጽልለሉ ዕንፀይትን ገረብን የልቦን። ብመዓልቲ ፀሓይ፡ ብለይቲ ቍርን ኣሳሓይታን እዩ፡ ናይዚ እምባ’ዚ ጥሪትን ሃብትን እዚኣቶም ጥራይ እዮም’ ክብል ተዛረቦ።

👉አቡነ ኣረጋዊ ድማ ‘ዝተኣዘዝካዮ ጥራይ ፈጽም፡ እግዚአብሔር እቲ ዝደለናዮ ኣየስእነናን’ዩ’ በሎ’ሞ ብኡ ንብኡ ጭራኡ ኣውሪዱ ኣብ መዓንጣ ኣቡነ ኣረጋዊ ብምጥምጣም፡ ብሓንሳእ ኣብ’ቲ ርእሲ እቲ ቅዱስ ደብሪ ኣደየቦ።

👉እዚ ዅሉ እናተፈጸመ፡ ሊቐ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል እቲ ተመን ኣብ ልዕሊ አቡነ አረጋዊ ክፉእ ነገር ከይፍጽምን ከየፍርሖን ብየማናይ ኢዱ ሴፍ መዚዙ ይሕልዎ ነበረ።አርድኢት ኣባ ማትያስን ካልኦት ስዓብቱን’ውን እናረኣዩ ይድነቑን ነበሩ።

👉ዕለት 12 ጥቅምት አቡነ አረጋዊ ኣብ ዝባን’ዚ ደብሪ ምስ በጽሐ፡ ሰለስተ ጊዜ “ሃሌ ሉያ ለአብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ወለመንፈስ ቅዱስ” እናበለ ኣመስገነ። በዚ ኸኣ እዚ ደብሪ’ዚ፡ “ደብረ ሃሌ ሉያ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።

በረኸት፣ ፀሎትን አማላድነትን ኣቦና ኣቡነ አረጋዊ ፀሓይ አይፈለየና ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ፡፡                                  "እርገት ጎይታ""አልቦ ዘዐርገ ውስተ ሰማይ ዘእንበለ ዘወረደ እምሰማይ ወልደ እጓለመሕያ...
21/05/2026

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ፡፡

"እርገት ጎይታ"

"አልቦ ዘዐርገ ውስተ ሰማይ ዘእንበለ ዘወረደ እምሰማይ ወልደ እጓለመሕያው” ዮሐ.3፥

👉ውሉዳን እግዚኣብሔር እንኳዕ ናብ ናይ ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ዓመታዊ ናይ ዕርገቱ በዓል ብሰላም ኣብፅሐኩም ኣብፀሐና።

👉እወ❗️ቅዱስ እግዚአብሔር አምላክና ዕለት ናብ ዕለት እና ሓለወ ናብዚ ቅዱስ ዕለት ዘብፀሐና ክብርን ምስጋናን ኣምልኾ ውዳሴ ንዑኡ ይኹኖ ኣሜን፫

👉እርገት ጎይታና መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቱ ትሽዓተ በዓላት ናይ ጎይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ ድሕሪ ትንሳኤ 40 መዓልቲ ጸኒሑ ዝኽበር ክብረ በዓል እዩ።
#ዕርገት ማለት፡ "ዐርገ" ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ምዕራግ ምውጻእ፡ ልዕል ምባል ማለት እዩ።
#ጎይታና ቅድሚ ዕርገቱ ድሕሪ ትንሳኤ ዘሎ 40 መዓልታት ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ቦታን ብተደጋጋሚ እና ተገልጸ ንሱ ሕያው ከምዝኾነ ብዘየጋጊ መረዳእታ ገለጸሎም፡ ብድሕሪ እዚ ግን ነታ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ተሪፋ ዝነበረት ትንቢት ዕርገቱ ክፍጽም፡ ከምቲ ብትንቢት ዝተነግረሉ ድማ ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዓረገ።

👉“ዐርገ እግዚኣብሔር በይባቤ፣ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን፡ ዘምሩ ለኣምላክነ ዘምሩ።” ኣምላኽ ብዕልልታ እግዚኣብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ።ብመዝሙር ምስጋና ንኣምላኽ ዝምሩ። (መዝ ዳዊ 47፥5) እዚ ትንቢት እዚ ብመንፈስ እግዚኣብሔር ተመሪሑ ዝተነበዮ ነብይ ዳዊት ኮይኑ፡ ዕርገት ጎይታ ዝገልጽ እዩ።

👉 ደቀ መዛሙርቲ ጎይታ መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ብናይ ጎይታ ዕርገት ወይ ብሥጋ ካብኣቶም ምፍላዩ ኣይሓዘኑን፡ እኳ ደኣ ብብዙሕ ሓጎስ ሰገዱሉን ኣመስገንዎን፡ ምኽንያቱ እቲ ቃል ኪዳን ኣቲሎም ዝኸደ ከምዘተግብረሎም ስለ ዝኣመኑ፣”እንሆ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፡ ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ። ዝብል ቃል ተስፋ ነጊርዎም እዩ፡” (ማቴ 28፥20)

👉 ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፥ ”ጎይታ ኵሉ ግዜ ምሳና እዩ፡ ንሱ ዘይብሉ ሓንቲ መዓልቲ እኳ የላን፡ ንሱ ኣብ ጎንና እንተ ዘይኮይኑ ክነብር ኣይንኽእልን ኢና፡ ንሱ ብፍላይ ብቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ምስጢር ምሳና እዩ" ይብልና።

👉ደቀ መዛሙርቱ ጎይታ ኵሉ መዓልቲ ምስኣቶም ከምዘሎ ስለ ዝኣመኑ፡ ብፍላይ ተስፋ ትንሳኤ ረኺቦም ስለ ዝተብዑ፡ ናይ ሓዘን ወይ ተስፋ ምቍራጽ ምልክት ኣየርኣዩን።

👉 ክርስቶስ ክዓርግ ከሎ ደቀ መዛሙርቱ ንሰማይ ኣንቃዕሪሮም ናብ ጎይታ እናረኣዩ ከለዉ። "እንሆ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸድኑ ዝተኸድኑ ክልተ ሰብኣይ ኣብ ጥቃኦም ደው ኢሎም፡ ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምታይ ኢኹም ናብ ሰማይ ኣምዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፣ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ከኣ ኪመጽእ እዩ” በልዎም።

👉እዚም ጻዕዳ ኽዳን ዝተኸድኑ ክልተ ሰብኣይ ተባሒሎም ተጠቂሶም ዘለዉ ቅዱሳን መላእኽቲ እዮም። ኣብ መወዳእታ ወንጌላዊ ማርቆስ ከምዚ ኢሉ ብዛዕባ ዕርገተ መደምደምታ ሃበ ”ጎይታና ኢየሱስ ነዚ ምስ ተዛረቦም ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቀመጠ በለ፡፡(ማር.16፥19)

👉ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣብ ዳግማይ ምፅኣቱ ይዘክረና አሜን ናይ እግዚኣብሄር ኣምላክና ምሕረት፡ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ፡ ቅዱሳን መላእኽት ብተረዳእነቶም፡ ቅዱሳን ኣቦታት ብጸሎቶም፡ በረኸቶምን ረድኤቶምን ኣይፈለየና ደቂ ተዋህዶ።

ስብሃት ለእግዚኣብሔር፡
ወለወላዲቱ ድንግል፡
ወለመስቀሉ ክቡር፡፡

ኣሜን
ኣሜን
ኣሜን፡፡

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።👉ቅዱስ ሚካኤል ንህዝበ እስራኤል ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ዘውጸኣ፣ ኣብ ምድረ በዳ በረኻ̕ውን ንኣርብዓ (40) ዓመት ዝመርሖምን ምድረ ...
20/05/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

👉ቅዱስ ሚካኤል ንህዝበ እስራኤል ካብ ናይ ግብጺ ባርነት ዘውጸኣ፣ ኣብ ምድረ በዳ በረኻ̕ውን ንኣርብዓ (40) ዓመት ዝመርሖምን ምድረ ርስቲ ከንኣን ዘውረሶም እዩ። " እቲ ብቕድሚ ሰፈር እስራኤል ዚኸይድ ዝነበረ መልኣኽ እግዚአብሔር ድማ ተላዒሉ ንድሕሪኦም ከደ ። እቲ ዓንዲ ደመና ከኣ ካብ ቅድሚኦም ተላዒሉ ኣብ ድሕሪኦም ደው በለ። ኣብ መንጎ ሰፈር ግብጽን እስራኤልን ኣተወ። ኣቡኡ ከኣ ደበናን ጸልማትን ነበረ ፣ነታ ለይቲ ከኣ ኣብርሃ። ለይቲ ብምልእታ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን። " ዘጻ.14፣15-20።

👉በዚ መሠረት ንእስራኤል ዝመርሖም ዝነበረ ናይ እግዚአብሔር መልኣክ ቅዱስ ሚካኤል እዩ።

👉ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ኣማላድነት ኣይፈለና። ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ጸሎቱን በረኸቱን ረዲኤቱን ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን❗️

Address

Wukro

Telephone

+251914724348

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Akilook posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share