Debre maryam brhan oda adigrat

Debre maryam brhan oda  adigrat እሱ እግዛቢሄር እዩ ደስ ዝበሎ ኩሉ ይግበር
1ሳሙ 3፥18

ድንግል ሆይ ለምኝልን🙏🙏🙏
29/05/2026

ድንግል ሆይ ለምኝልን🙏🙏🙏

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን!     ኒቆዲሞስ  7ይቲ ሰንበት ኒቀዲሞስ መምህር ኣይሁድ ክንሱ ተማሃራይ ኮይኑ ኣቤት ትሕትና ኣብ ዘበንና ክኣ ተማሃሮ ዘይንበቅዕ መም...
29/03/2026

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላኽ ኣሜን!

ኒቆዲሞስ 7ይቲ ሰንበት
ኒቀዲሞስ መምህር ኣይሁድ ክንሱ ተማሃራይ ኮይኑ ኣቤት ትሕትና ኣብ ዘበንና ክኣ ተማሃሮ ዘይንበቅዕ መምሃራን ክንብሃል ሃርር ንብል

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ፡ እታ ሻብዓይቲ ሰንበት ‘ኒቆዲሞስ’ ትብሃል። ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ዚዝመርን ዚንበብን ዚወሃብ ትምህርትን ብዛዕባ ኒቆዲሞስ እዩ። ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ርእሲ ናይቲ መዝሙር “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ” ዝብል ኮይኑ “ወሀሎ አሐዱ ብእሲ እምፈሪሳውያን ዘስሙ ኒቆዲሞስ መልአኮሙ ለአይሁድ ዘሖረ ኀቤሁ ቀዲሙ ሌሊተ ወይቤሎ ለኢየሱስ ዕጓለ አንበሳ ሰከብከ ወኖምከ አንሥአኒ በትንሣኤከ” እናበለን ነቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ (ምዕራፍ 3) ዝተጻሕፈ እናጠቐሰን ይዝምር።

ኒቆዲሞስ፦ ዝተባህለ ምሁረ ሕግ፡ ኃለቓ ኣይሁድን መምህር እስራኤልን ዝኾነ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ነበረ።

ፈሪሳውያን ካብቶም ቀንዲ ማኅበረ ኣይሁድ ኮይኖም ሕግን ሥርዓትን ኦሪት ልዕሊ ካልኦት ሓለውቲ ኢና ኢሎም ዝሓስቡ ግና ነቲ ዚብልዎን ዚምህርዎን ዘይገብርዎ ግቡዛት ነበሩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ምስሉይ ግብሮም የቃልዖምን ይወቕሶምን (ማቴ 23፡1-36)፣ ብዙኃን’ውን ብትምህርቱን ተኣምራቱን ተሳሒቦም ይስዕብዎ ስለዝነበሩ ብቕንእን ጽልእን ይጻብእዎ ነበሩ። ነቶም ብእኡ ዝኣመኑን ብዛዕባኡ ዝመስከሩን ካብ ቤተ ጸሎቶም (ምኵራቦም) ክፈልይዎም መምርሒ ኣውፂኦም ነበሩ። (ዮሓ 9፡22 ፣ 12፡42)

ኒቆዲሞስ ግና ካብኦም ተፈልዩ፡ ብኅቡእ ለይቲ ለይቲ ንጸልማት ከውሊ ገይሩ ናብ ጐይታ እናመጽአ ይመሃር ነበረ። (ዮሓ. 3፡1-21) ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ነቲ መምህረ ኣይሁድ ኒቆዲሞስ፡ ብዛዕባ ውልድነት ዘውህብ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ፍቕሪ እግዚአብሔር፡ ካብ ሰማያት ምውራዱ፡ እምነት፡ ግብሪ፡ ፍርዲ ከምኡ’ውን ስለ ድኅነተ ዓለም ዝኸውን ስቕለቱ ብምሳሌ እናገበረ መሃሮ።

ኒቆዲሞስ ድማ ንትምህርቲ ጐይታ የስተንክርን ንዘይተረድኦ ይሓትትን ነበረ። ጐይታ ድማ በቲ ሓደ ወገን “መምህረ እስራኤል ኢኻ” እናበለ፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ “ነዚ ዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ” እናበለ ንዅሉ ኺፈልጦ ዝግባእ መሃሮ። ኒቆዲሞስ ድማ ኵሉ’ቲ ዝተማህሮ ምሥጢርን ዝረኣዮ ፍቕርን ኣብ ልቡ ስለዘኅደረ ኅብእ ወደ መዝሙሩ ኾይኑ ብምሸትን ለይትን ተጊሁ ይመሃር ነበረ። ካብዚ ኃሊፉ’ውን ንሊቀ ካህናትን መምህራን ሕግን ካብ መጻሕፍተ ሙሴ ጠቒሱ ስምዐ ጽድቅ (ሓቀኛ ምስክር) ኮይኑ ኣፎም ኣትኂዙ ከይተሰማምዑ ከም ዝበታተኑ ገበረ። (ዮሓ. 7፡5) ኣብቲ መድኃኔዓለም ክርስቶስ ተሰቒሉ ዝሞተሉ እዋን ንሥጋኡ ካብ መስቀል ኣብ ምውራድን ምግናዝን ድማ እሙን ኮይኑ ተረኽበ። (ዮሓ 19፡38)።


ስለዚ ነዚ ዓቢይ ሰብ ኒቆዲሞስ ንምዝካርን፡ ካብኡ ንመሃሮ ብዙኅ ስለዘሎን እዛ ሻብዐይቲ ሰንበት እዚኣ ብስሙ ተጸውዐት። ንገለ ካብ ኒቆዲሞስ ንመሃሮ ምስ እንጠቅስ፦

ኣትሕቶ ርእስ (ትሕትና)
ኃለቓ ኣይሁድን መምህረ እስራኤልን ምሁር ኦሪትን እኳ እንተኾነ ርእሱ ኣትሒቱ፡ ካባ ኃለቕነትን መምህርነትን ኣውፂኡ፡ ክዳን ተማሃራይን ኣገልጋልን ለቢሱ “መምህር” እናበለ ኣብ እግሪ ጐይታ ተቐሚጡ ኪመሃር መረጸ። (ዮሓ. 3፡1) ኮፍ ኢልካ ምምሃር ትዕድልቲ ብምዃኑ’ውን ጐይታ “ማርያምሲ ካብኣ ዘይውሰድ ሠናይ ግደ ኃርያ ኣላ” ኢሉ ንኢድዋ እዩ። (ሉቃ. 10፡42)

ሎሚ ዓለማዊ ፍልጠት፡ ምድራዊ ሥልጣን፡ ሥጋዊ ኽብርን ሃብትን . . . ነቲ ካብ ጸልማት ኣውፂኡ ናብ ብርሃን ክርስቶስ ብመንገዲ ሓቂ ዘመላልሰና ቃል እግዚአብሔር ንኸይንመሃር ዝዕንቅፈና ብዙኃን ኢና። እንተኾነ ግና ቃል እግዚአብሔር ደረጃ ዘይፈሊ ንዅሉ ዝምልከቶ ምዃኑ ካብ ኒቆዲሞስ ንመሃር። እናፈለጥካ ኣይፈልጥን ምባል፡ ዝጐድለካ ካብቲ ዝተመሃርካዮ ዝበዝኅ ከምዝተርፈካ ተኣሚንካ ንኽትመሃር ርእስኻ ትሕት ምባል ከምዝግባእ'ውን ንመሃር ኢና።

ትጋሀ ሌሊት (ትግሃት ብለይቲ)
ኒቆዲሞስ ንተመስጦን መንፈሳዊ ሕሊናን ብዝጥዕም ጊዜ ብለይቲ እናኸደ ካብ ጐይታ ይመሃር ስለዝነበረ ምሥጢራት ተገልጸሉ። ቅዱስ ማር ይስሐቅ “ለይቲ ንጐይታ ንምምስጋን ግሩም (ጥዑም) ጊዜ እዩ” ከምዝብል ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብስብሓተ ማኅሌትን ብጸሎተ ሰዓታትን ብኪዳንን ንእግዚአብሔር ከተመስግን እያ ትኃድር። ጐይታ’ውን ንሓዋርያት “ትግሁ ወጸልዩ ከመ ኢትባኡ ውስተ መንሱት/ ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ትግሁ ጸልዩን” (ማቴ. 26፡41) ኢሉ ምሂርዎም እዩ።

ሎሚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ከም ኒቆዲሞስ ብለይቲ ንምስጋናን ጸሎትን ትምህርትን ኣገልግሎትን ክንተግህ ትምዕደና።

ሓቀኛ ምስክር (ስምዐ ጽድቅ) ምዃን፦
ኒቆዲሞስ ከይፈርሀን ከይኃፈረን ተቢዑ ንሓቂ መስከረ። (ዮሓ. 7፡51) “ሕጊ ልዑል ኣምላኽን ኪዳኑን ኣብ ምሕላውን ኣይትኅፈር” 9ሲራ. 42፡2) ከምዝብል ስለ ሓቅን ፍትሕን ምምስካርን ስለ ቤተ ክርስቲያን ደው ምባልን ከምዝግባእ ንመሃር።

ክሳዕ መወዳእታ ምጽናዕ፦
ኒቆዲሞስ፡ ኣብቲ ዅሉ ፈሪሁ ዝሃደመሉ ናይ መከራን ፈተናን ጊዜ፡ ንሥጋ መድኃኔዓለም ክርስቶስ ካብ መስቀል ኣብ ምውራድን ገኒዝካ ኣብ ምቕባርን ምስታፉ፡ መርኣያ ጽንዓቱ እዩ። ጕዕዞ ክርስትና ኣብ ጊዜኡን ኣብ ዘይጊዜኡን ትጸንዓሉ (2ይ ጢሞ. 4፡9)፣ መከራ መስቀል ዝሓትት፡ ንዝጀመሩ ዘይኮነስ ንዝፈጸሙ ኣክሊል ዓወት ዝወሃበሉ ጕያ ሕይወት ምዃኑ ንመሃር።

ኣሰር ኒቆዲሞስ ክንስዕብ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋኡ የብዝኃልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!
#ተዋህዶ #ኒቀዲሞስ

18/03/2026
ጥር 21
29/01/2026

ጥር 21

68 likes, 4 comments. “ 💛❤💛❤💊💊 #ጥር21አስተርዮማርያም@Rahwa Hadush @ሱራፌል ዘብርሃነ ኦዳ oda”

እንኳዕ ንብርሃነ ልደተ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም  ሉቃስ10-11: እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐ...
06/01/2026

እንኳዕ ንብርሃነ ልደተ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም
ሉቃስ
10-11: እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።
'ኦ ማርያም በእንተዝ ናፈቅረኪ ወነዓብየኪ፡ እስመ ወለድኪ ለነ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን ወስቴ ሕይወት ዘበአማን፣ ኦ ማርያም ስለዚ ኢና ንፈትወኪ፡ ስለዚ ኢና ኣደ ኢልና ነኽብረክን ነዕብየክን፡ ናይ ሓቂ ምግቢ ሕይወት ወሊድክልና፡ ናይ ሓቂ መስተ ሕይወት ሂብክና ኢኺ'፣ (ቅዳሴ ማርያም ዘአባ ሕርያቆስ፣ )።

30/10/2025

'ኦ ማርያም በእንተዝ ናፈቅረኪ ወነዓብየኪ፡ እስመ ወለድኪ ለነ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን ወስቴ ሕይወት ዘበአማን፣ ኦ ማርያም ስለዚ ኢና ንፈትወኪ፡ ስለዚ ኢና ኣደ ኢልና ነኽብረክን ነዕብየክን፡ ናይ ሓቂ መግቢ ሕይወት ወሊድክልና፡ ናይ ሓቂ መስተ ሕይወት ሂብክና ኢኺ'፣ (ቅዳሴ ማርያም ዘአባ ሕርያቆስ፣ )።

11/09/2025

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና።ሰላም ፍቕሪ ዓወት ምሕረት በረከት ዝመልኦ ዘመን ይግበረልና።

Address

Hadush Adi
Adigrat
2121

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Debre maryam brhan oda adigrat posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share